Duration 8:35

ሮዚና መሰነይታ መዓልታዊ-ሂወትና ፡ ሓዳስ ናይ ትግርኛ ኣፕሊኬሽን New Tigrinya voice assistant application-Rozina

24 325 watched
0
1.3 K
Published 4 Feb 2021

#ROZINA#ERITREAI #AI#APP#DONDINARSHOW#CINEMAHABESHA ትግርኛ እትዛረብን እትረዳዳእን ሓዳስ ኣፕሊኬሽን ተማሂዛ `ሮዚና` እትበሃል ቋንቋ ትግርኛ እትዛረብ ኣፕሊኼሽን ተማሂዛ ናብ ኣገልግሎት በቒዓ`ላ። ነዛ ኣፕሊኬሽን እትደልዮ ነገር ብቃላት ጥራይ ምእዛዝ`ዩ ዘድልያ። ኣብ ሓደ ካልኢት ዘይበጽሕ ግዜ ከኣ ዝደለኻዮ ደበኽ ተብል ስልጥቲን ምእዝዝቲን-ኣፕ። እዛ ብጻዕራማትን ኣብነታውያንን ኤርትራውያን ዝተሰርሐት ሓዳስ ኣፕሊኬሽን ካብዛ ዕለት እዚኣ ኣትሒዛ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ`ላ። ሮዚና-ኣፕ ኣዝያ ዝተራቐቐት ኮይና፣ ቅልጥፍቲን ንህዝቢና ኣዝያ ጠቓሚትን`ያ። ብድምጺ እንዳኣዘዝና ኣብ ሞባይል ድላይና ክትገብረልና ዓቕሚ ዘለዋ ድማ`ያ። እዛ ኣፕሊኺኣሽን ኣዴታትናን ኣቦታትናን ብዘይ ዝኾነ ሽግር ብቋንቋ ትግርኛ ምዕቡላት ሞባይል (Smartphone) ክጥቀሙ ከተኽእሎም`ያ። ብፍላይ ኣዴታትና ኣብ ስደት ናብዚ ኣብጽሑና ዝበሃል ጉዳይ ካብዛ ዕለት እዚኣ እንዳኣብቀዐ`ዩ ክኸይድ። ኮምፓስን ዲጂታል ካርታን GPS ብትግርኛ ንኣገልግሎት ምድላዋቱ ኣጻፊፉ`ሎ፣ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ናብ ተጠቐምቲ ክዝርጋሕ`ዩ። ኣፕሊኼሽን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየን እንዳተራቐቐን (Update) እንዳገበረን`ዩ ዝኸይድ። ስለዚ እዚ ቀዳማይ ናብ ኣገልግሎት ዝበቕዐ ደረጃ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ፈተነ ዘሎ ግን ሰራሕታ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ዘጽንሕዎ ብዙሕ ድሕሩ ዝስዕብ ኣገልግሎታት ኣሎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ንማሽን-ለርኒንግ ቴክኖሎጂ ደፊሮም ከምዚ ክሰርሑ ምብቅዖም ኣዝዩ ባህ ዘብል`ዩ። ሮዚና ብቋንቋ ትግርኛ ጥራይ ዘይኮነ ኣምሓርኛ ውን ይርድኣ`ዩ። ድሕሪ ግዜ ድማ ብኩለን ቋንቋታት ሃገርና ኣገልግሎት ክትህብ መደብ ተታሒዙላ`ሎ። ነዞም ጻዕራማት መሃዝታ መንእሰያት ነተባብዕዮም !! ነዛ ኣፕሊኼሽን ኣውሪድና ንጠቐመላ

Category

Show more

Comments - 417